‘ካብ ዘመነ -ኣካሒዳ እንታይ ንመሃር ? ‘

President Isaias Afwerki of Eritrea and Prime Minister Abiy Ahmed of Ethiopia pose together
ወዲ-ሰብ፥ ብዛዕባ ህዝቡን ሃገሩን ክሓስብ እንተኾይኑ ክልተ ነገራት የድልይዎ፥
- ብውሕዱ፡ ንግሆ ፡ ንነብሱን ንደቁን ቑርሲ ምስ በልዐ ፥ “ ምሳሕ’ኸ ይረክብ’ዶ ይኸውን !?” ኢሉ ክጭነቕን ክሓስብን የብሉን። ንደቁን ንነብሱን ምሳሕ እንተዘይብሉ፡ እቲ እንኮ ዝሓስቦ ብዛዕባ ከመይ ኣቢሉ ንደቁ የዕንግል እምበር፡ ብዛዕባ ሃገርን ህዝብን ክሓስብ ባህሪያዊ ኣይኮነን። (Worrying about the next meal)። ከብዲ፡ እቲ ክትረኽቦ ዝግባኣ መሰረታዊ ነገር እንተዘይረኺባ፡ ንኣእሙሮና ትቆጻጸር፡ “ በሊዓ ኣሉ!” ዝኾነት ክፋል ኣካልና ኢያ።
2. መሰረታዊ ናይ ከብዲ ነገር ምስ ተማልአ፡ ክሓስብ ዕድል ምስ ረኸበ፡ ነቲ ዝሓሰቦ ሓሳብ ፡ ካብ ሽክና ርእሱ ናብ ደገ ዘውጽኣሉ ዕድል ክረክብ ኣለዎ። ማለት፡ ነቲ ኣብ ርእሱ ተዓብዒቡ ዘሎ ሓሳብ፡ እንተስ ኣብ ዕዳጋ፡ እንተስ ኣብ እንዳ ሱዋ፡ እንተስ ኣብ ባይቶ ዓዲ፡ እንተስ ብሬድዮ፡ እንተስ ብጽሑፍ ወይ ብካልእ ኣገባብ፡ ሰባት ከም ዝሰምዕዎ ክገብር ኣለዎ። ሓሳቢ፡ ኣብ ርእሲ ዘሎ ሓሳብ፡ ናብ ካልኦት ሰባት ከመሓላልፎ እንተዘይኢሉ፡ ክንዲ ዝሃለዎ ሓሳብ ይሃልዎ፡ ትርጉም የብሉን። ኣብ መወድእታ ውን ፡ እቲ ነቲ ሓሳብ ትስከም ስጋ ኣብ ሓመድ ምስ ኣተወት፡ እቲ ሓሳብ ውን ምስቲ ሰብ’ዩ ዝቕበር። እዚ ማለት ነቲ ዝተሓስበ ሓሳብ ናብ ሰባት ክበጽሕ፡ ብዉሑዲ ንእሽተይ ቦታ (political space) የድሊዮ ንምባል ኢየ ። ንነገሩ፥ እቲ ዝበለጸ ቦታ ሓሳብ ክዝረበሉ ዝግብኦ ‘ባይቶ ዓዲ ‘ ኢዩ።
ካድረ(cadre)፡ ምስ ኳደረ ብዙሕ ዘራኽብ ዘለዎም ኮይኑ ኣይስመዓንን – ብዘይካ ክሊቲኦም ረምታ /ራይም (rhyme) ዝገብሩ ምዃኖም እንተዘይኮይኑ። ከመይ’ሲ ‘ስርዓተ ኳደረ’’፡ ንሰባት ብማዕረ ዝርእን ዘገልግልን ፡ ማሕበራውን ቑጠባውን ኣገባብ ኣነባብራ ሕብረ ሰብና ኢዩ ዝነበረ( ሕጂ ውን ብኸፊል ኣሎ)። ።
ብመሰረት ጭቃ ዓዲ ዝህቦ መምርሒ ፡ ኩሎም ነበርቲ ዓዲ፡ ይሃብትሙ ይድከዩ፥ በብተራ ናይ ኳደረ ስራሕ ይዓሙ ኢዮም። ንኣብነት ሓደ ሰብ፥ ሰሙን ምሉእ ኳደረ እንተኾይኑ፡ ኩሎም ደቂ ዓዲ ናይ ኳደረ ግቡኦም ምስ ዓመሙ ፡ መስርሕ ኩድርና ናብኡ ትምለስ። ‘ማዕረ ፡ ከም ስኒ ኣድጊ!’ ዝብሃል ከምዚ’ዩ ።
ስርዓተ ኳደረ፡ ኣብቶም ብዓዲ/ኮሚኒቲ ተጠርኒፎም ዝነብሩ ሕብረ ሰባት ዝዝውተር ኣገባብ ኢዩ። ኮማዊ ጥርናፈ ዘይብሉ ፡ ማለት ውልቀ ሰባት ፋሕ ኢሎም ኣብ ዝነብርሉ ቦታ፥ ስርዓተ-ኳደረ ኣይረአን። ብመሰረቱ፥ ስርዓተ-ኳደረ፡ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ደቂ ዓዲ ኢዩ – ማለት ውልቀ-ሰብ በይኑ ክጸሮ ዘይክእል – ዓዲ ትስከሞ። ካብ ምቕባል ኣጋይሽ፡ ክሳብ ሓገዝ ዘድልዮም ደቂ ዓዲ፡ ካብ ጉዳይ ቤተ-ክርስትያን ክሳብ ሕዛእቲ ዝኣመሰሉ ነገራት የካትት። ሽፍታ፡ (ሓያል ብዓል ግዜ) እንተመጸ ውን ፡ጠለባቶም ክማላእ ዝገብር ንሱ ባዕሉ ኳደረ ኢዩ።

Eritrean President Isaias Afwerki walks alongside government officials on his way to a national festival in Asmara
ካድረ ግን፡ ኣብ ምድረ-ሓበሻ (ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ኤርትራን ኢትዮጵያን)፥ ነዊሕ ግዜ ዞቕጸረ ቃል ኣይኮነን። ምናልባት ውን፥ ምስቶም ሃይለስላሴ ዘምሃሮም ናይ 50ታት ወይ 60ታት ወለዶ ዝመጸ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ‘ ካድረ ’ ዝብል ቃል ፥ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ከም ኢሰፓ፡ ህግ፡ ህወሓት ፡ ሕጂ ድማ ብልጽግና ብብዝሒ ዝጥቀምሉ ቃል ኢዩ። ኣብ ካልእ ዓለም ውን ፥ ኣብ ጸገማውያን ዝኾኑ ፖሎቲካዊ ሓይልታት ብብዝሒ ይዝውተር ኢዩ።
ኣብ ዘመናዊ ፖሎቲካ ፥ ካድረ ምስ ስቴትስማን ( statesman) ብምምውድዳር ወይ ብምምስሳል ኢዩ ዝርአ።
ካድረ ማለት፡ ብተፈጥርኡ ሕማቕ ቃል ውን ኣይኮነን። ካድረ ፡ ሕማቕ ዝኸውን፡ ሓደ ሰብ ንኸብዱ ወይ ንስልጣን ክብል፡ ብሓደ ፖሎቲካዊ ፓርቲ ተዓሲቡ፡ ኣንጻር ህዝቡ ክሰርሕ ከሎ ኢዩ። ምስ ግዜ ግን ብዙሓት ሰባት፡ ብፓርቲ ተዓሲቦም፡ ኣብ ክንዲ ብብቕዓት ፡ብምምእዙዝነት ክምረጹ ምስ ጀመሩ ፥ እቲ ቃል ንባልዕሉ ውን ኣሉታዊ እንዳኾነ መጽዩ።
ኣብ ምድረ ሓበሻ ተፈጢሮም ዘለዉ ካድረታት፡ ብጣዕሚ ዘሰክፉን ዘፍርሑን ኢዮም። ካብ ዳኔኤል ክብረት ክሳብ ሬድዋን ሑሴን፡ ካብ ጌታቸው ረዳ ክሳብ ናይ ህግደፍ ካድራት።
ልክዕ’ዩ፥ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንህዝቦም ቀዳምነት ዝሰርዑ ፖሎቲከኛታት ብዙሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ክመጹ ኣይተራእዩን። ኣብዚ ኩሉ ሕጂ ዘለናዮ ዓዘቕቲ ድሕረት፡ ድኽነት፡ ኲናት፡ እዞም ብህዝቦም ዘይሓስቡ መራሕቲ ዓቢ ተራ ከምዝጸንሖም ፍሉጥ ኢዩ። ርሑቕ ከይከድና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 60 ወይ 70 ዓመታት ዝተፈጥሩ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ ‘ግርጭታት ብስልጡን ኣገባባ ናይ ምፍታሕ‘ ብቕዓቶም ዳርጋ ባዶ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ።
ብተመሳሳሊ፥ ፖሎቲከኛታት እዘን ሃገራት ፥ መብዛሕትኦም ስራሓት ካድረ ኢዮም ከካይዱ ጸኒሖም። እዚ ማለት ፡ ናቶም ተኣማንነት ኣብ ክንዲ ናብ ህዝቦምን ሃገሮምን ዝኸውን፡ ናብቲ ዝተሰለፍሉ ፓርቲ ኢዩ ኮይኑ ጸኒሑ። ምእንቲ ረብሓ እቲ ዝውክልዎ ፓርቲ ክሕልዎ ክብሉ ፥ ክሳብ ‘ ትንፈር እምበር ፡ ጤል ኢያ ’ ክሳብ ምባል ዝኸዱ ኢዮም። ስለ’ዚ ናይ ቀደም መራሕቲ ጥዑያት ፥ ናይ ሎሚ ግን ሕማቓት ንምባል ኣይኮነን።
ግን ድማ ፥ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ፖሎቲከኛታት ከምኡ ውን ናይ ሚድያ ሰባት፡ ኣብ ርእሲ እቲ ቕድሚኦም ዝነበሩ ዘርእይዎ ድኽመታት፡ ተወሳኺ ጸገማት ዊን ሒዞምልና መጽዮም ኣለዉ። መትከል( ፕሪንሲፕል)፥ ጭውነት ( ኢንተግሪቲ ) ፥ ቀዋሚ መርገጺ ዘይብሎም፥ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ዝኸዱን፡ ኣብ ዝወዓልዎ ዘይሓድሩን ኮይኖም ኣለዉ። ምናልባት ፥ እዚ ባህሪ’ዚ ቀደም ውን እንተነይሩ፥ ሕጂ ግን ኣዚዩ ጎሊሑ ይርአ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ።
ንኣብነት ኣብዚ ሎሚ እዋን ንኤርትራ ዝመርሑ ዘለዉ ሰብ ግዜ ፡ ‘ ሃገራውነቶም ወይ ህዝባዊ ሲሚዒቶም’ ፥ ኣብ ትሕቲ ባይታ ኲዕቶም ካብ ዝቀብርዎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኢዩ። ‘ሃገራዊ !’ ዝብል ቕጽል፡ መሸፈኒ ነቲ ‘ስሱዕ ፈታዊ ነብሱ ” ዝብል ሓቐኛ ምስሎም ንምኽዋል ዝጥቀምሉ ቃል ምዃኑ ንሶም ውን ባዕሎም ይፈልጥዎ ኢዮም።

Prime Minister Abiy Ahmed of Ethiopia attends a Prosperity Party meeting with senior party members
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብልጽግና ዝባሃል ፓርቲ ውን ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ኣብዚ መዳይ ቀንዲ ተወዳዳሪ ኮይኑ ኣሎ።
ናይ ጌታቸው ቃል መጠይቕ ምስ Global Power Shift ዝገበሮ ኣብዚ ሳልስቲ ውን ሰሚዐዮ – ገሪሚኒ!። ግን ድማ ጌታቸው ምልክት ናይቲ ብዓቢኡ ሓሚሙ ዘሎ ኢሊት እምበር፡ ፍሉይ ነገር ኣይኮነን።
ጌታቸው ረዳ ፥ ድሕሪ’ዚ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዘሕለፎ ሽግር፥ ኣብ ሽዋ ከይዱ ሽመት ኽቕበል ምድፋሩ ፡ ፖሎቲካኛታትና ክሳብ ክንደይ ባይታ ዘቢጦም ከም ዘለው ዘርኢ ጭብጢ’ዩ። ናይ ጌታቸው ውሳነ፡ ኮለል ከይበልና፥ ብሓጺሩ ፡ እቲ ዝበለጸ ኣብነት ናይ ‘ጥልመት’ ኢዩ። ማለት ፥ It is a textbook example!
እዚ ማለት፥ ኣብ መቀለ ዘለዉ መራሕቲ ሕወሓት፡ ሓጥያት የብሎምን ንምባል ኣይኮነን። እንተኾነ ፡ ጌታቸው ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ፥ ትግራይ 40% ካብ መሬታ ተመንጢላትሉ ኣብ ዘላ እዋን ፥ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህዝባ ኣብ ቴንዳ ከለዉ፡ ኣሽሓት መንእሰያት ንርእሰ ውሳኔ ትግራይ መስዋእቲ ምስ ከፈሉ፥ ካብ ኣራት ኪሎ ሽመት ምቕባል ፡ ብዘይካ ‘ጥልመት’ ካልእ መጸዊዒ ዘለዎ ኣይመስለንን። እዚ ፥ ‘ስልቲ’ ኣይኮነን፥ ‘ብልሒ’ ውን ኣይኮነን።
ምኽንያቱ፥ ሕብረተ-ሰብ፡ ብፍላይ ድማ ቆልዑን መንእሰያትን፥ ንመራሕቲ፥ ከም ‘ሮል ሞዴል’ ኢዮም ዝርእይዎም። እዚ ማለት ንጌታቸው ከም ሮል ሞዴል እንዳራኣየ ዝዓበየ ሰብ፡ ኣብ መወዳእትኡ፡ ‘ጥልመት‘ ከም ንቡር ባህሪ ክወስድ ይኽእል ኢዩ። ስለ’ዚ፡ ምስ ጌታቸው ውልቃዊ ጽልኢ ስለዘለና ዘይኮነስ፥ ምእንቲ መጻኢና ክንብል ንጥልመት – ‘’ጥልመት’’ ኢልና ክንጽውዖ ኣለና ዝብል እምነት ኣለኒ። ‘ንጥልመት’ ምቕንጃው ኣየድልዮን፡ ምውዳስ ኣየድዮን። ( Betrayal should never be sugar-coated nor glorified) ። ናይ ኢሰያስን ሰዓብቱን እከይ ተግባራት ውን በቲ ልክዖም ዝኾኑ ቃላት ኢዮም ክግለጹ ዝግባእ።

Getachew Reda addresses the media during a press conference.
ናይ ካድረ ሕማም ዘለወን ሃገራት ፥ ሽግረን ብኸመይ ክፍውሳ ይኽእላ
እቲ ቀንዲ ቁምነገር ናይ ጽሑፈይ፡ እዘን ብካድረ ዝምራሓ ሃገራት ፡ ከመይ ኢለን ካብ ሕማም ካድረነት ይገላግላ ዝብል ኢዩ።
1)ካብ ህግደፍ ይኹን ኣብ ብልጽግና ተስፋ የለን። ስለዚ ቕድሚ ኩሉ ‘ፖሎቲካዊ ልውጢ’ ኢዩ ክመጽእ ዘለዎ። ኢሰያስ ወይ ኣቢ ከለዉ፡ ጽቡቕ ነገር ክመጽእ ኣይክእልን – ባህሪኦም ውን ኣይፍቅደሎምን ኢዩ።
2) ድሕሪ ፖሎቲካዊ ለውጢ፥ ቀስ ብቀስ፡ ናይ እንጀራ(ኢኮኖሚ) ጉዳይ ክፍታሕ ኣለዎ። ናይ እንጀራ ጉዳይ እንተዘይፈቲሑ፡ ኣብ ስልጣን ነዊሕ ክጸንሑ ዝደልዩ ውልቀ ሰባት ‘ ካድራት” ንሙቕጻር እቲ ዝቀለለ’ዩ ዝኸውን። እዚ ማለት ፥ ተመሊስና ናብ ጭቃ ኢዩ ዝኸውን ዘሎ።

The late Eritrean Orthodox Patriarch Abune Antonios
እዚ ማለት ፥ ክሉ ሰብ ብኸብዱ ይዕሰብ ማለት ኣይኮነን። ብዙሕ ሰብ ‘ንማዕተቡ !’ ዝነብር ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 40 ዓመታት ጥራይ፡ ብዙሓት ኣሕዋትና፡ ንእምነቶም፣ ንማዕተቦም፡ ካብ መትከሎም ሓንቲ ሰንቲ ሜተር ውን ትኹን ፍንትት ከይበሉ፥ ንሕልፈት ኣብ ጎዳጉዲ ዝሰፈሩ ከምዘለዉ ምጥቃስ እኹል ኣብነት ኢዩ። ኣቦና ኣንጦንዮስ ውን ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ኢዮም።
ግን ድማ፥ ናብራ ምስ ከበደ ፥ ካብቲ ብዙሕ ህዝቢ፡ ኣንጻር ሕልንኡ ዝኸይድ ብዙሕ ከምዘሎ ምስትብሃል የድሊ። እዚ ማለት፥ ሰብ እንጀራ ምስ ሰኣነ ጥራይ ኢዩ ሕማቅ ነገር ዝገብር ማለት ኣይኮነን፡ የግዳስ፥ ሕሱም ናብራ የጋድዶ ኢዩ ንምባል ኢየ። ናይዚ ኣብነት ፥ ርሑቕ ከይከድና፥ ህዝብና ኣብ ‘ዘመነ ኣካሒዳ’ ዘርእዮም ዝነበሩ ካብ ባህልን ልምድን ወጻኢ ዝኾኑ ባህርያት ከም መምሃሪ ክንወስዶም ንኽእል ኢና።
ሰሰናዩ !
ታእዛዝ ገ/ስላሴ
Leave a Reply