ጻድቓን ፥ “ ዓሰብ ከም ገዝሚ”

ጻድቃን ኣብዚ ሳልስቲ ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ፦ እቶም ዘይሰማዕኹሞ፥ መልእኽቲ ጻድቃን ፡ ብጥቕሉሉ:-

ህዝቢ ትግራይ ኣንጻር ህወሓት ተለዓል!” ዝብል’ዩ።

ህዝቢ ትግራይ: ንጻውዒት ጻድቃን ብኸመይ’ዩ ክሪኦ፡ ንተጋሩን ንግዜን ምግዳፍ ይሓይሽ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ጻድቃን ግን ከም ሰብ ብዙሕ ግዜ’ዩ ኣብ እእሙሮይ ቕጅል ዝብለኒ፡- ብናይ ሻዕብያ ቛንቛ ” ዓቢ ጥሙሕ” ዘለዎ ፥  ብሂወት ከሎ ብዙሕ ነገር ክዓምም ዝደልን፡ ምስ ግዜን ኩነታትን ክቕየር ዘይጽገም ኮይኑ ይስመዓኒ።

እታ ኣብ በረኻ ዝነበረት ህወሓት፡ ንጻድቃን ወሲኻ፡ ኣብ ጉዳይ “ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ” ዝነበራ መርገጺ ንጹር’ዩ ዝነበረ። ኣባላት ህወሓት ዝነበሩ፡ ምስ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ባእሲ ኣብ ዝኣትውሉ ግዜ ግን፡ ሃንደበት ነቲ ዝነበሮም መትከል ገዲፎም፡ ንርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ዘይምቅባል ስሚዒታት ይርኣዩ ኢዮም።

ጻድቃን ገብረትንሳኤ ግን ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን፡ “ዓሰብ ናይ ኢትዮጵያ ኢያ!” ኢሉ ፡ ብጽሑፍን ብቃሉን ደጋጊሙ ዝተማጎተ ሰብ’ዩ። ብወገነይ፡ ካብ መራሕቲ ህወሓት ዝነብሩን/ዘለዉን፡ ከም ጻድቃን ጌሩ ብዛዕባ ምምላስ ዓሰብ ናብ ኢትዮጵያ ዝዓበደ ኣይርኣኹን(Gebru Asrat himself is not as fanatic as Tsadkan, as far as Port Assab is concerned።

ግደ ሓቂ፡ ህወሓት ከም ዉዱብ፡ ብዘይካ እዞም ሓደ ክልተ ካብ ብሱል ጥረ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት፡ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘለዎም መርገጺ ፡ምስ ግዜ ዘይቀያየርን ንጹርን ኢዩ።

ኣብ ዘመናዊት ዓለም፡ ሓንቲ ሃገር “ ባሕሪ ኣልቦ “ land locked” እንተኮይና’ሞ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ምርኩስ ጌራ፡ ወናኒት ወደብ ዝኾነት ሃገር ክሳብ ሕጂ የላን። ኣብ 2013 ፡ ቦሊቪያ ንቺለ ናብ ቤት ፍርዲ ውርሲዳታ፡ ኣብ 2018 ድማ ፡ ቤት ፍርዲ ነቲ ጠለብ ዉዱቕ ጌርዎ።(Bolivia vs Chile 2018)።

እዚ ማለት፡ ጻድቃን፡ ኣብ ዘመናዊት ዓለም ተገይሩ ዘይፍለልጥ ነገር ክገብር ዝፍትን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ብእጉሩ ረጊጹ፡ ወደብ ንእትዮጵያ ከግዝም ዝጽዕር ሰብ’ዩ ።

ስለምታይ ጻድቓን፡ ከምዚ ዓይነት መርገጺ ወሲዱ፡ ባዕሉ ዝምልሶ እኳ እንተኾነ፥ ክልተ ምኽንያት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ቀዳማይ፡ ጻድቃን፡ “ሕሉፍ ኢትዮፕጵያዊ”( Ethiopianist expansionist ክኸውን ይኽእል፡ ወይ ድማ ምስ መራሕቲ ሻዕብያ ዘይደቀሰ ‘ህልኽ!’ ወይ ቂም ክህልዎ ይክእል ኢዩ።

ናይ ኢሰያስ መግዛእቲ ኣብ ዘብቕዓሉ እዋን፡ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ ፡ ኣብ ትግራይ፡ መን ምስ ኤርትራ ብስትራተጂ ክሰርሕ ይደልን፡ መን መሳርሒ ኣራት ኪሎ ክኸውን ይኽእልን ከስተብህለሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብሩኽ ሰንበተ – ኪዳን

ታእዛዝ ገብረስላሴ


Discover more from The Exiled Observer

Subscribe to get the latest posts sent to your email.


Comments

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *